ብብር 19 ነጥቢ 9 ቢሊየን ወፃኢ 12 መገዲታት ንምህናፅ ዘኽእል ውዕሊ ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ መገዲታት ኢትዮጵያ ብብር 19 ነጥቢ 9 ቢሊየን ወፃኢ 12 መገዲታት ንምህናፅ ዘኽእል ውዕሊ ስምምዕነት ምስ ተቛረፅቲ ተፈራሪሙ።

እቶም ውዕሊ ስምምዕነት ዝተኻየደሎም 12 ፕሮጀክታት መገዲ ብሓፈሻ 825 ነጥቢ 23 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ኣለዎም።

ንህንፅት እቲ ፕሮጀክት ካብ ሞንጎ ዘድሊ ወፃኢ ናይ 10 መገዲታት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሽፈን እንትኸውን፥ ንህንፅት እቶም ክልተ መገዲታት ዝኸውን ወፃኢ ድማ ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ልቓሕ ዝሽን ኢዩ ተባሂሊ።

ነቲ ውዕሊ ስምምዕነት ካብ ሞንጎ ዝፈረሙ ተቛረፅቲ ስራሕ እቶም ሽዱሽተ ሃገር በቆል ተቛረፅቲ እንትኾኑ፥ ዝተረፉ ድማ ዓለምለኸ ተቛረፅቲ ስራሕ ወፃኢ ኢዮም።

እቶም መገዲታት ሃኒፅካ ንምዝዛም ካብ ሓደ ዓመትን ሓሙሽተ ወርሒን ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ከምዝወስድ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

ኣብ ገጠር ክሳብ 10 ሜትሮ ኣብ ከተማ ድማ ልዕሊ 10 ሜትሮ ዘለዎም እንትኾኑ፥ ኣብቶም መገዲታት ድልድላትን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ህንፀታትን ከምዝህልዉዎም እውን ተሓቢሩ።

ስምምዕነት ዝተገበረሎም መገዲታት ካብ ነቀምቴ-ቡሬ፣ ካብ ጎዴ – ሃርገሌ፣ ካብ ደምበጫ – ኣዴት፣ ካብ ሳውላ – ማጂሎት፣ ካብ ቡልቡላ – ኣላጌ፣ ካብ መገንፀሊ ጊንባ – ናብ ተንታ፣ ካብ መገንፀሊ ኣላባ – ናብ ዱራሜ፣ ካብ ሃይቅ -ጭፍራ፣ ካብ ያሶ – ቻግኒ፣ ካብ መገንፀሊ ሜሎዶኒ – ቡሬ ከምኡ እውን ካብ ደብረታቦር – ጉና ኢዮም።

ብኣክሱማይት ገብረህይወት

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment