ብብር 18 ነጥቢ 2 ቢሊየን ሸሞንተ መገዲታት ንምህናፅ ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚመገዲታት ኢትዮጵያ ብብር 18 ነጥቢ 2 ቢሊየን ሸሞንተ መገዲታት ንምህናፅ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

ሎሚ መዓልቲ ስምምዕነት ዝተፈራረሞም መገዲታት ሓዊሱ ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 2013 ዓ.ም ጥራሕ ብብር 43 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዝህነፁ 21 ፕሮጀክታት መገዲ ስነ-ስርዓት ፌርማ ምፍርራሙ ተሓቢሩ።

ሓፈሻዊ ንውሓት እቶም ፕሮጀክታት መገዲ 1 ሺሕን 774 ኪሎ ሜትሮ እንትኾኑ፥ ወፃኢ ናይቶም 20 መገዲታት ህንፀት ድማ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሽፈን ኢዩ።

ዝተረፈ ናይ ሓደ ፕሮጀክት መገዲ ወፃኢ ድማ ብዓለም ለኸኸ ትካል ልምዓት ጃፓን ካብ ልምዓት ባንኪ ኣፍሪካን ባንኪ ዓለምን ብዝተረኸበ ልቓሕ ከምኡ እውን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተትሓዘ በጀት ዝስራሕ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ስምምዕነት ውዕሊ እቶም ፕሮጀክታት መገዲ ዝተፈረመ፥ ምስ ተቛረፅቲ ስራሕ ውሽጢ ዓዲን ወፃ ሃገራትን ኢዩ።

ብይስማው ኣደራው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment