ብብርኪ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ 14 ሚሊየን ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብብርኪ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ 14 ሚሊየን ምዝያዱ ተገሊፁ።

ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ ‘ቲ ቫይረስ ልዕሊ 600 ሺሕ ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ እውን ተገሊፁ።

በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዝነበሩ 7 ነጥቢ 8 ሚሊየን ሰባት ከምዝሓሾም ድማ ሓበሬታ ዩኒቨርሲቲ ጆን ሆፕኪንስ የረድእ።

ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 3 ነጥቢ 6 ሚሊየን ሰባት በቲ ቫይረስ እንትተሓዙ፥ 139 ሺሕን 128 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ዩንቨርስቲ ብብርኪ ዓለም በቢዕለቱ ብቫይረስ ኮሮና ዝልከፉ ሰባት ቁፅሮም ይዛይድ ዘሎ እንትኸውን፥ ትማሊ ጥራሕ 237 ሺሕን 743 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ካብዚ ውሽጢ 77 ሺሕን 638 ሰባት ኣብ ኣሜሪካ ዝተትሓዙ ኢዮም ተባሂሉ።

ፍልፍል፥ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment