ብብርኪ ዓለም ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ቁፅሪ ሰባት ካብ 50 ሚልየን ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ )ብብርኪ ዓለም ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና  ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 50 ሚልየን ከምዝበፅሐ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ገሊፁ።

ካብዚኦም ልዕሊ 1 ነጥቢ 25 ሚልየን ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተሓቢሩ።

እንተኾነ እኹል መርመራ ይግበር ስለዘየለ’ምበር እቲ ቁፅሪ ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝክእል እዩ ዝግለፅ።

ርብዒ ካብዞም 50 ሚልየን ኣብዚ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ምዃኖም’ውን ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣብ ቀዳማይ ርብዒ እዚ ዓመት በቲ ለበዳ ብኸቢድ ተሃስያ ዝነበረት ኣውሮፓ ሐዚውን ብካልኣይ ማዕበል ትሕመስ’ያ ዘላ ተባሂሉ።

ብሓፈሻ ኣብታ ኣህጉር ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ 12 ነጥቢ 5 ሚልየን ክበፅሕ እንከሎ፥ ኣብታ ኣህጉር 305 ሺሕን 700 ሞት ተመዝጊቡ ኣሎ።

ኣሜሪካ እታ በዚ ለበዳ ትመርሕ ዘላ ሃገር እንትትኮን፥  ኣሰታት 10 ሚልየን በቲ ሕማም ዝተለኸፉ ኣለዉዋ።

ኣብ ዝሓለፈ ተኸታታተሊ ሰለስተ መዓልታተ ድማ መዓልታዊ ልዕሊ 125 ሺሕ  መልከፍቲ ከተመዝግብ ፀኒሓ ኢያ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

Comments (0)
Add Comment