ብብርኪ ዓለም ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት 22 ሚልየን በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ዓለም ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት 22 ሚልየን ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ቁፅሪ ዝሞቱ ድማ ልዕሊ 774 ሺሕ በፂሑ’ሎ።

ዝለዓለ መልከፍትን ሞትን ኣመዝጊባ ዘለ ግን ኣመሪካ እያ።

ኣብታ ሃገር ጥራሕ ልዕሊ 5 ነጥቢ 4 ሚልየን ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ኣለው።

ካብዞኦም እቶም 170 ሽሕ ብሰንኪ ቫይረስኮሮና ህይወቶም ስኢኖም።

ኣብ ብራዚል ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 3̄ ነጥቢ 3 ሚልየን ሰባት ብቫይረስኮሮና ክልከፉ እንከው፥ ኣብ ህንዲ ድማ 2̌ ነጥቢ 7 ሚልየን በፂሑ ከምዘሎ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment