ብብርኪ ክልል ኦሮሚያ ኣብ መርሃ ግብሪ መፋለጢ መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ልዕሊ 609 ሚሊየን ብር ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ምሸት ብብርኪ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝተገበረ መርሃ ግብሪ መፋለጢ መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ልዕሊ 609 ሚሊየን ብር ተኣኪቡ።

መፅሓፍ የመደመር ትውልድ ብብርኪ ክልል ኦሮሚያ መርሃ ግብሪ መፋለጢ ዝተኻየደ፥ በቲ ኣታዊ ልምዓት በዓልቲ ሶፍ ዑመርን መስሕብ ቱሪዝምን ምቹው ንምግባር ብምሕሳብ ኢዩ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ መፋለጢ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልል፣ ኣባገዳታት፣ ኣቦታ ሃይማኖት፣ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ዲፕሎማሰኛታት፣ ሰብ ሃፍቲን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ተረኺቦም።

ብምርቓት ኣባ ገዳታት ዝተጀመረ እቲ ስነ-ስርዓት፥ ትሕዝቶ እቲ መፅሓፍ ዝምልከት ሓፂር ዳህሳስ ብመምህርን ተመራማሪን ዶ/ር ዮሴፍ ቤኮን ዶ/ር ታደሰ ሌንጮን ተገይሩ።

እቲ ምፅሓፍ ዝተፈላለዩ ሰብ ሃፍቲን ትካላትን ብልዑል ገንዘብ ብምግዛእ ክታም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝዓረፎ መፅሓፍ ካብ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ተቐቢሎም።

በዚ ድማ ብሓፈሻ 609 ሚሊየን 220 ሺሕ ብር ቃል ከምዝተኣተወ ተገሊፁ፡፡

ብታሪኩ ወ/ሰንበት

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment