ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብብርኪ ክልል ኣብ ከተማ ማይጨው ዝኽበር በዓል ጥምቀት ብድምቀት ንምኽባር ዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተወገኑ ከምዝርከቡ ተሓቢሩ።
ከንቲባ ከተማ ማይጨዉ ኣይተ የዉሃንስ ኣዱኛ ምስ ከምዝበልዎ÷ በዓል ጥምቀት እዚ ዓመት ብብርኪ ክልል ኣብ ከተማ ማይጨው ብዝደመቐ ኩነታት ንምኽባር ዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተወገኑ ይርከቡ።
እቲ በዓል ብድምቀት ንምኽባር÷ ከም ማሕበር ልምዓት ራያ፣ ፎረም ልምዓት ከተማ ማይጨዉን ብብርኪ ከተማ ዝተዳለወ ዓብዪ ኮሚቴን ዝበሉ ውዳበታት ዑዙዝ እጃም ከም ከምዘለዎመ አብሪሆም፡፡
ኣይተ የውሃንስ እቲ በዓል “ትንሳኤ ንልምዓት ከተማና “ብዝብል ንዝዳሎ ቴሌቶን ኩሎም ኣብ ዉሽጢ ዓድን ወፃኢን ዝርከቡ ተወለድቲን ፈተዉቲን እታ ከተማ ተሳቲፎ ንክገብሩን ኣብ ልምዓት ከተማኦም እጃሞም ከወፍዩን ፀዊዖም፡፡
እቲ በዓል ንምኽባር ናብ ከተማ ማይጨው ብርክት ዝበሉ ኣጋይሽ ክመፅኡ ትፅቢት ከምዝግበር ብምሕባር÷ ምስ ህዝቢ እታ ከተማን ኣብታ ከተማ ምስ ዝርከቡ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ምርድዳእ ከምዝተገበረ ገሊፆም።