ብብርኪ ሃገር ክሕረስ ካብ ዝግበኦ ተሓራሲ መሬት 98 ሚኢታዊ ተሓሪሱ ብኣዝርእቲ ተሸፊኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ሃገር ክሕረስ ካብ ዝግበኦ ተሓራሲ መሬት 98 ሚኢታዊ ተሓሪሱ ብኣዝርእቲ ከምዝተሸፈነ ሚኒስትር ሕርሻ ኣይተ ዑመር ሑሴን ገሊፆም።

ካብ ቀንዲ ቀንዲ ዝራእቲ 382 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ክርከብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ንድርቂ ተቓላዕቲ ኢዮም ዝተብሃሉ ከባቢታት እውን ተስፋ ዝህብ ፍርያት ትፅቢት ከምዝግበር ተዛሪቦም፡፡

ኣብዚ ዓመት ብዝራእቲ ክሽፈን ካብ ዝግበኦ ሓፈሻዊ ተሓራሲ መሬት 98 ሚኢታዊ ብዝራእቲ ከምዝተሸፈነ ብምሕባር፥ ካብ ቀንዲ ቀንዲ ዝራእቲ ጥራሕ 382 ሚሊየን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ ከምዝተሃቀነ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር፥ ናይዚ ዓመት ቀረብ ምሩፅ ዘርኢ ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር 25 ሚኢታዊ ወሰኽ ከምዝነበሮ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment