ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝተመረፁ 36 ሆስፒታላት ፀገም ፈታሕቲ ዝኾኑ ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት ከምዝትግበሩ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ኣየለ ተሾመ፥ ሓደሽቲ ኣሰራርሓታ ኣብ ሆስፒታላት ጥቁር ኣንበሳ፣ ቅዱስ ጳውሎስን ኮሌጅ ሕክምና ሚሊኒየምን ተረኺቦም ኣጀሚሮም፡፡
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኩለን መንግስታዊ ሆስፒታላትን ካብ ኩለን ክልላት ዝተመረፃ ሆስፒታላትን 4 ቀንዲ ቀንዲ ተግባራት ዝትግበሩ እንትኾኑ፥ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ቅድሚት ዝወሃቦም ተሓታትነት፣ ኣጠቓቕማ ሃፍቲን ዝተዋደደ ኣሰራርሓታትን ተግባራዊ ከምዝግበሩ ዶክተር ኣየለ ተዛሪቦም።
ኣብ ሃንደበታዊ ሕክምና፣ ደቂስካ ሕክምና፣ ተመላላሲ ሕክምና፣ ቀረብ መድሓኒት፣ ብናብራቶሪን ብኣገልግሎት ኢሜጂግን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ክፍሊታት ኣርባዕቲኦም ቀንዲ ተግባራት ተግባራዊ ከምዝግበሩ ተሓሩ፡፡
እቶም ሆስፒታላት ንተገልገልቲ ኣብ ዝህቡዎ ኣገልግሎት ከምዝምዘኑ፤ ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ዘመዝገቡ ሆስፒታላት ድማ ኣፍልጦ ብመሃብ ክበረታትዑ ኢዮም ከምዝተብሃለ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡