ብብርኪ ሃገር ሕጊ ንምኽባር ብዝተገበረ ስራሕ ቁፅፅርን ክትትልን 141 ሺሕን 369 ኣሽከርከርቲ ተቐፂዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)”ካብ ጳጉሜን ክሳብ ጳጉሜን ክንበፅሕ ኢና” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተዳለወ ሃገር ለኸ ወፍሪ ድሕንነት መገዲ ትራፊክ ሎሚ መዓልቲ መዓቲልቲ ቁፅፅር ኮይና ተኸቢራ።

ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ እታ መዓልቲ ብዝምልከት ከምዝበለኦ፥ ስርዓት ቁፅፅር ብምጥንኻር፣ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ብሓደጋ ትራፊክ ዝበፅሕ ሞት፣ ጉድኣት ኣካል ደቂ ሰባትን ዕንወት ንብረትን ብሓባር ምክልኻል ይግባእ።

ኣብ በጀት ዓመት ሓደጋ ትራፊክ ንምንካይ ብብርኪ ሃገር ሕጊ ንምኽባር ብዝተገበሩ ስራሕቲ ቁፅፅርን ክትትልን 141 ሺሕን 369 ጥፍኣት ዝፈፀሙ ኣሽከርከርቲ ከምዝተቐፅዑ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ኩሎም ኣሽከርከርቲን ተጠቀምቲ ግልጋሎት ትራንስፖርትን ሕጊን ደምቢን ትራንስፖርት ኣኽቢሮም ክንቀሳቐሱ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

ኩሎም ገናሕቲ መኻይን ኣብ ቅድሚት ዘለዉ በዓላት ሰቲኻ ብዘይምሽክርካርን ሕግታት ትራፊክ ብምኽባርን ተንቀሳቒሶም ሓለፍነቶም ንኽዋፅኡ ፀዊዐን።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ድሐንነት ትራፊክ ንምሕጋዝ ኣብ ስራሕቲ ቁፅፅር ትራፊክ ንዝተዋፈሩ ትካላት ፌዴራልን ክልልን እቲ ዓውዲ ሓገዝ ራዳር ከምዝተገበረ ካብ ሚኒስቴር ትራንስፖርት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment