ብብርኪ ሃገር ለበዳ ሕማም ሾሮኽ ንምክልኻል 10 ሚሊየን ክታበት ከምዝተውሃበ ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር) ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ዘበን ብብርኪ ሃገር ለበዳ ሕማም ሾሮኽ ንምክልኻል 10 ሚሊየን ክታበት ከምዝተውሃበ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፥ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘሳልጦ ዘሎ መበል 36 ስሩዕ ኣኼባ ብምርካብ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝተልዓሉ ሕቶታት መብርሂን ምላሽን ሂቦም።

ኣብ ምላሾም፥ ሎሚ ዘበን ብብርኪ ሃገር ለበዳ ሕማም ሾሮኽ ንምክልኻል 10 ሚሊየን ክታበት ከምዝተውሃበ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ሕማም ንፍዮ ንምክልኻል ኣብ 58 ወረዳታት ክታበት ከምዝተውሃበ ተዛሪቦም።

ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ዛንዜራ ንሕብረተሰብ ከምዝተወዘዐ ብምግላፅ፥ ብፍላይ ቀረብ መድሓኒት ብፍሪያት ውሽጢ ዓዲ ብምትካእ ካብ 8 ሚኢታዊ ናብ 36 ሚኢታዊ ክብ ምባል ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።

ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ጠሚቶም ንዝተልዓሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ድማ፥ መንግስቲ ፅርየት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ካብ ታሕተዋይ ብርኪ ትምህርቲ ብምጅማር ጠመተ ሂቡ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ኣስታት 30 ሺሕ ዝኾኑ ሓደሽቲ ቅድመ ስሩዕ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተሃነፁ ኣብሪሆም።

ብዙሓት ተምሃሮ ተረባሕቲ ምግብና ቤት ትምህርቲ ከምዝኾኑ እውን ገሊፆም።

ስርዓት ትምህርቲ ሓቛፊ ንክኸውን  ዓሊሙ ምርኣይ ናይ ዝተስኣኖም ዘበናዊ ቤት ትምህርቲ በምህናፅ ንኣገልግሎት ክፍቲ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ንዩንቨርስቲታት ጠመተ ብምሃብ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ፅርየት ኣብ ምርግጋፅ ኢዩ ኢሎም።

Comments (0)
Add Comment