ብብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ መበል 42 ኮንፈረንስ ዩኔስኮ ይሳተፍ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ትምህርቲ ብብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ መበል 42 ሓፈሻዊ ኮንፈረንስ ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህልሊን (ዩኔስኮ)ይሳተፍ ኣሎ።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ዘፈራት ዩኔስኮ ዝተወገኑ ተግባራት ኣመልኪቱ መደረ ብሄራዊ ፖሊሲ ከምዝቐርብ ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ልዑል ደረጃ ዘለዎም መራሕቲ ሃገር፣ መንግስቲን ሚኒስትራት ላዕለዎት ትምህርቲን ዝሳተፉሉ ኣኼባን መበል 13 መድረኽ መናእሰይን ከምዝካየድ ተገሊፁ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1972 ዝተገበረ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣባላት ኮንቬንሽን ሓድጊ ዓለም ኣብቲ ኮንፈረንስ ትፅቢት ከምዝግበር ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ጎና ጎድኒ እቲ ኮንፈረንስ ምስ ኣመራርሓታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ዩኔስኮን ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ከምዝዛተዩ ትፀቢት ይግበር፡፡

በቢክልተ ዓመት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 7 ክሳብ 22 ሕዳር ዝካየድ እቲ ኮንፈረንስ÷ ኣብ ትምህርቲ፣ ሳይንስ፣ ባህሊ፣ ምርድዳእ፣ ሓበሬታን ካልኦት ጉዳያትን ባህሊ ሰላም ንምህናፅ፣ ድሕንነት ንምቅልጣፍን ዘላቒ ልምዓት ንምዕሳልን ንባኣል ሃገራት ምቹው ኩነታት ንምፍጣር ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment