ብብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኣብ ዝተዳለወ ሃገራዊ ትልሚ ፀፅታ መረፃ ዘተኮረ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኣብ ዝተዳለወ ሃገራዊ ትልሚ ፀፅታ መረፃ መዳርግቲ ኣካላት ፌዴራልን ክልልን ተዛቲዮም።

እቲ ትልሚ ኣብዚ ዓመት ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ፍትሓዊ፣ ተኣማኒ፣ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ንኽውን ተሓሲቡ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ወይዘሪት ብርቱካን ሚደቅሳን ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ዶክተር ቀነኣ ያደታን ኣብ ዝመርሑዎ ዘተ ትልሚ ፀፅታ መረፃ፥ መዳረግቲ ኣካላት ፌዴራልን ክልላትን ተረኺቦም።

ላዕለዎት ሓለፍፈቲ ሚኒስቴር ምክልኻል፣ ፖሊስ ፌዴራል፣ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ፣ ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን፣ ርእሳነ ምምሕዳራት ኩለን ሰክልላትን ከንቲባታትን፣ ሓለፍቲ ቢሮ ፀፅታን ሰላምን፣ ኮሚሽነራት ፖሊስን ላዕለዎት ዓቀብቲ ሕጊን እውን ተሳቲፎም።

ወይዘሪት ብርቱካን ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝበለኦ፥ ኢትዮጵያ ኣብ 2013 ዓ.ም ንእተካይዶ ሓፈሻዊ ሃገራዊ መረፃ ግብሪ ሓይሊ ፀፅታ መረፃ ተጣይሹ ኢዩ።

ኣብ ሃገራዊ መረፃ ነቲ ትልሚ ፀፅታ መሰረት ብምግባር ክልላት ናይ ባዕለን ትልሚ ዘለወን ብምዃኑ፥ ኣብቲ ትልሚ ብሓባር ንምስራሕ ምዝርራብ ስለዘድለየ ዝተዳለወ መድረኽ ከምዝኾነ ምግላፀን እውን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment