ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ዝተሃነፀ ፋብሪካ ባኒ ተመሪቑ፡፡
እቲ ፋብሪካ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን (ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ኣብ ዝተረከቡሉ እዩ ዝተመረቐ፡፡
እቲ ፋብሪካ ቕድሚ ሕዚ ዝተሃነፁ ፋብሪካታት ባኒን ሕሩጭን ተመሳሳሊ ዓቕሚ ከምዘለዎ ተገሊፁ፡፡
እቲ ፋብሪካ 420 ኩንታል ስርናይ ኣብ መዓልቲ ምጥሓን ዝኽእል እንትኾን÷ 300 ሺሕ ባኒታት ኣብ 24 ሰዓታት ምፍራይ ከምዝኽእል ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እቲ ፋብሪካ ባኒ ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ዜጋታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ካብ ዝተሃነፁ 14 ፋብሪካታት ባኒን ሕሩጭን እቲ ሓደ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡