ብቢሮ ምምሕዳር ሰላምን ፀፅታን ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተመሓላለፉ ቀንዲ ቀንዲ መምርሒታት  

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ምምሕዳር ሰላምን ፀፅታን ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ መምርሒታት ኣመሓላሊፉ።

በቲ ቢሮ ካብ መንጎ ዝተመሓላለፉ ቀንዲ ቀንዲ መምርሒታት፦

  1. ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብር ዝኾነ ይኹን ነባሪ ኣብ ኢዱ ዝርከቡ መሳሪያታት “ቅድመ ሐዚ ዝተመዝገበ ይኹን ዘይተመዝገበ” ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ኣብ ቀረብኡ ኣብ ዝርከብ ፖሊስ ጣቢያ ንከመዝግብ
  2. መላእ ነባሪ ብብሎክን መንደርን ተወዲቡ ናይ ከባቢኡ ሰላምን ፀፅታን ምስ ሓይሊ ፀፅታ ብምውዳድ ክቆፃፀር ኣለዎ
  3. ሓይሊታት ፀጥታ፣ ናይ ሕብረተሰብ ፖሊስን ኣወዳድባ ደንቢ ምኽባርን ምስ ስሩዕ ሓይሊ ፀጥታ ተዋዲዶም ይሰርሑ
  4. ዝተፈላለዩ ሃንደበታዊ ተፍቲሻት ክካየዱ ኢዮም፤ ኣብ መንበሪ ገዛ፣ ኬላ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ውሽጢ ሃንደበታዊ ፍተሻ ክካየድ ኢዩ። ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ብቕንዕና ነዚ ተሓባባሪ ክኸውን ኣለዎ። ናይ መንበሪ ገዛ፣ ሆቴል መዕረፊ ኣገልግሎት ወሃብቲ ኣካረይቲ ዘካርይዎም ውልቀ ሰባት ሕጋዊ ታሴራ ምሕታት፣ ኮፒ ብኣግባቡ ምቕማጥ ይግባእ።
  5. ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታት ስኑዕ ሓበሬታ ዝውዝዑ ውልቀ ሰባት ካብ ተግባሮም ንክዕቀቡ
  6. ናይ ውልቀን መንግስቲን ሓለዋ ኤጀንሲታት ምስ ሓይሊ ፀፅታ ብምውዳድ ምስራሕ ትፅቢት ከምዝግበረሎም
  7. ሰላምና ምስ ምርግጋፅ ክሳብ ሐዚ መናእሰይ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ተሓዊሶም ኣስተዋፅኦ ይገብሩ ኣለዉ። ሐዚ እውን መናእሰይ እታ ከተማ ብምምልማል ሰላምን ድሕንነትን ከባቢኦም ተወዲቦም መስ ሓይሊ ፀጥታ ብምውዳድ ንክሕልዉ ክግበር ኢዩ።
  8. ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስቲን ክፍተትን ምጥርጣርን ንክፍጠር ኣብ ለዕሊ ዝሰርሑ ኣካላት ዘየዳግም ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኢዩ። ስለዝኾነ ኣብዚ ተግባር ተሳትፎ ዘሎ ዝኾነ ይኹን ኣካል ካብ ተግባሩ ንክዕቀብ፤
  9. ትካላት ፀጥታ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሓይሊ ፀጥታ ፍሉይ ዞባ ኦሮሚያ ብምውዳድ ተናቢቦም ይሰርሑ ምህላዎም
  10. ሀዝቢ ዝገብሮ ዘሎ ድጋፍ ዝነኣድ ኢዩ ኣብ ቀፃሊ እወን ተጠናኺሩ ምቕፃል ከምዝግባእ ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪ እታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment