ብበሪሶ ኣመሎ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ጅቡቲ ወደብ ታጁራን ኢንዱስትሪያል ፓርክ ዳመርጆን ዑደት ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዋና ፈፃሚ ስራሕ ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ብበሪሶ ኣመሎ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ጅቡቲ ዑደት ስራሕ እናገበረ ይርከብ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ÷ ምስንቅስቓስ ስራሕ ወደብ ታጁራን ኢንዱስትሪያል ፓርክ ዳመርጆን ተዘዋዊሩ ተዓዚቡ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዑደት÷ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣብ ዘፈር ባሕሪን ሎጂስቲክስን ዘለወን ስትራቴጂያዊ ምትሕብባር ዕዙዝ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡

ኣባላት ጉጅለ እቲ ልኡኽ ኣብ ፃንሒቱ÷ ምስ ኣቦ መንበር ናፃ ንግዲ ዞባን ዓለም ለኸ ወደባትን ጅቡቲ ኣቡበከር ኦማር ሃዲ ከምዝተዛተየ እውን ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

Comments (0)
Add Comment