ብቕዓት ዘይብሎም ገናሕቲ ፍቓድ መግንሒ ከይረኽቡ ዝገብር ኣሰራርሓ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክትግበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምኽናያት ስእነት ዓቕሚ ዝፍጠር ሓደጋ ትራፊክ ክንኪ ኢዩ ዝተብሃለሉ ስርዓት መቆፃፀሪ ብቕዓት ገናሕቲ ክዝርጋሕ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ዝዝርጋሕ ስርዓት፥ ዝኾነ ይኹን ዓቕሚ ምግናሕ መኪና ዘይብሉ ውልቀ ሰብ ፍቓድ መግንሒ(መንጃ ፍቓድ) ከይይወስድ ዝገብር ኣሰራርሓ ምዃኑ በዓል መዚ ፍቓድን ቁፅፅርን ኣሽከርከርቲ ተሸከርከርቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባኣፍሊጡ።

ምክትል መካየዲት ስራሕ ዘፈር ኣሽከርከርቲ እቲ በዓል መዚ ወይዘሮ ሁሉኣገርሽ ተፈራ፥ ክእለትን ዓቕሚን ዘይብሎም ኣሽከርከርቲ ፍቓድ መግንሒ ይወሃቦም ኣሎ ዝብል ተደጋጋሚ ሓበሬታ ከምዝበፅሕ ብምግላፅ ጭቡጥ መረዳእታ ግን ክርከብ ከምዘይከኣለ ተዛሪበን።

ፍቓድ መግንሒ ብጉቦ ይወሃብ ኢዩ ዝብል ቅርታ እውን ከምዝበፅሕ ዝሓበራ እተን ሓላፊት፥ እቲ በዓል መዚ ከምዚ ዝበሉ ሓበሬታታት ኣብ ግምት ብምእታው ንገበን ግዕዝይና ዝተቓልዑ ኣሰራርሓታት ከምዝፈለየ ኣብሪሀን።

ብመሰረት እዚ ፍቓድ ወሲዶም ኣብ ስራሕ ዝርከቡ መሰልጠኒ ፍቓድ መግንሒ ኣብ ዝህቡ 90 ትካላት ናይ ተግባር ንድፊ ሓሳብ ስልጠና ከምኡ እውን ኣብ ኣሰራርሓ ኣወሃህባ ፍቓድ መግንሒ እ በዓል መዚ ዝረኣዩ ንግዕዝይና ዝተቓልዑ ኣሰራርሓታት ናይ ምፍታሕ ስራሕቲ እናተዘርግሑ ምዃኖም ገሊፀን።

ከዚህ ባለፈም ሰልጣኞች ከንድፈ ሃሳብ ጀምሮ እስከ መፈተኛቸው ጊዜ ድረስ በትክክል መማራቸውን ለማረጋገጥ በአሻራቸው በየጊዜው ክትትል እንደሚደረግም አንስተዋል።

ካብዚ ብተወሳኺ ሰልጠንቲ ካብ ንድፊ ሓሳብ ጀሚሮም ክሳብ እዋን መፈተኒኦም ዘሎ ግዘ ብግቡእ ከምዝተምሃሩ ንምርግጋፅ በእዋኑ ብዓሻራኦም ዝተሓገዘ ምክትታል ከምዝገብር ገሊፀን።

Comments (0)
Add Comment