ብቕንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተጠርጠሩ ክልተ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብቕንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተጠርጠሩ ክልተ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ከምዝወዓሉ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ ዓቃቢት ሕጊ ፌዴራል ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ ቀዳማይ ተጠርጣሪ ጥላሁን ያሚን ካልኣይ ተጠርጣሪ ኣብዲ ኣለማየሁን ዝተብሃሉ ክልተ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኣገንዚበን።

ምስ ቅንፀላ እቲ ኣርቲስት ተተሓሒዙ ብሳልሳይ ደረጃ ዝተጠርጠረ ከበደ ገመቹ ዝተብሃለ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓል ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝርከብ እውን ገሊፀን።

ሕብረተሰብ እቲ ተጠርጣሪ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንኽተሓባበር ፃውዒት ኣቕሪበን።

ቀዳማይ ተጠርጣሪ ጥላሁን ያሚ ንፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፥ እቲ ቅንፀላ ከምዝፈፀሞን ካብ ኦነግ ሸኔ ልኡኽቶ ተቐቢሉ ዝፈፀሞ ከምዝኾነን ኣሚኑ ኢዩ።

እቲ ልኡኽቶ ካብ ክልተ ሰባት ከምዝተቐበለ ምእማኑ እውን ኣብሪሀን።

ወይዘሮ ኣዳነች ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ መንግስቲ ሕጊ ንምኽባር ዝገብሮ ምንቅስቓስ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪበን።

ብብስራት መለሰ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment