“ብቁ” ዝተብሃለ መተግበሪ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 2 ሺሕ ዜጋታት ናይ ምውፋር ዓቕሚ ኣለዎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንግልጋሎት ወፍሪ ስራሕቲ ወፃኢ ሃገራት “ብቁ” ዝተብሃለ መተግበሪ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ዜጋታት ንስራሕ ንምውፋር ዘኽእል ዓቅሚ ምፍጣሩ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ገሊፀን፡፡

ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን÷ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ልምዓትን ክእለትን ኢንዱስትሪ ንምፍጣር ሰናይ ርክብ መስርሒን ሰራሕተኛን ንምዕሳል ህንፀት ዓቕሚ ኣብ ምፍጣር ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

ስራሕቲ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ሃገር ንምቅልጣፍን ንምዝማንን ብቴክኖሎጂ ተሓጊዙ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ገሊፀን፡፡

እዚ ንምትግባር ድማ “ብቁ” ዝብል ስያሜ ዘለዎ መተግበሪ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር÷ ካብ ስርዓት ምዝገባ ጀሚሩ ኣተሓሕዛ ሓበሬታ ንምርግጋፅ ልዑል ረብሓ ዝህብ ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡

“ዜጋታት ድሕንነቶም ተሓልዩ ብመታለልቲን ዘይሕጋውያን ደለልቲን ይበፅሖም ዝነበረ ምንግልታዕ ዘትርፍ እዩ” ክብላ ምስ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ገሊፀን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment