ብቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ብወራር ዕስለ ኣምበጣ ዝበፅሐ ጉድኣት ተዓዚቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብቀዳማይ ሚኒሰስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ወረባቦ ብወራር ዕስለ ኣምበጣ ዝበፅሐ ጉድኣት ተዘዋዊሩ ተዓዚቡ።

ኣብቲ ዑደት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንንን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ተመስገን ጥሩነህን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ እቲ ዑደት ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ካብ ዘጋጠመ ለበዳ ኮቢድ-19 ብተወሳኺ ንኢትዮጵያን ሓዊሱ ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካን ብልዑል ብርኪ ዘጥቀዐ ወራር ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ሓደ ኢዩ ኢሎም።

መንግስቲ እቲ ሓደጋ ዘስዕቦ ፅንቶ ንምክልኻል ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት እናወሰደ ምፅንሑ ገሊጾም።

“መበል ካልኣይ ዙር ዘገጣመ ወራር ዕስለ ኣምበጣ እተጋፈጥና ኣብንርከበሉ እዋን እቲ ኩነታት ንምቁፅፃር ስራሕቲ ይስርሑ ኣለዉ” ክብሉ እውን ኣብሪሆም።

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተገበረ ዑደት፥ ኣምበጣ እናብፀሆ ዝርከብ ጉድኣትን እናተወሰደ ዝርከብ ናይ ምክልኻል ስራሕቲን ከምዝተዓዘቡ ኣፍሊጦም።

ሓረስቶት ዘለዎም እዋናዊ ፀገም ከምዝተዓዘቡን መንግስቲ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅልን እውን ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment