ብቀይሕ ባሕሪ እናተጓዙ ዝነበሩ 383 ኢትዮጵያዊያን ፍልሰተኛታት ካብ ሞት ምድሓን ተኻኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ የመን እናተጓዙ ዝነበሩ 383 ኢትዮጵያዊያን ፍልሰተኛታት ካብ ሞት ከድሕን ከምዝኸኣለ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቱ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያዊያን ፍልሰተታት ፅዒኖም ናብ የመን ኣብ ምጉዓዝ ዝነበሩ ዘይሕጋውያን ጃልባታ ኣዘዋወርቲ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ እውን ተገሊፁ፡፡

ምስቲ ጉዳይ ተተሓሒዙ ብዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሰባት ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት ናብ ፍርዲ ከምዝቐረቡ ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ኤምባሲ÷ ሓይሊታት ሓለዋ ጠረፍ ባሕሪ ጅቡቲ ኢትዮጵያውያን ፍልሰተኛታት ንምድሓን ንዝገበሩዎ ወፍሪ ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment