ብሽፋን ንግዲ ጦር መሳርሒ እናነገደ ዝነበረ ተጠርጣሪ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ፖሊስ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሽፋን ንግዲ መስተ ጦር መሳርሒ እናነገደ ዝነበረ ተጠርጣሪ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ኣብ መንሪ ገዛ እቲ ተጠርጣሪ ብዝተገበረ ፍተሻ ዝተፈላለየ ኣፅዋራትን ተተኮስቲ ጠያይቲን ሓዊሱ 80 ሺሕ ናይ ሕሶት ኖት ብር ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ፡፡

ተጠርጣሪ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕል ዝኸኣለ ኣብ ክፍለ ከተማ ቃሊቱ ወረዳ 12 ከባቢ መብራት ሃይል ከምዝኾነ ካብ ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment