ብሽፋን ሕጋዊ ንግዲ ንምጭብርባር ተሓሲቡ ዝነበረ ልዕሊ ብር 4 ነጥቢ 4 ሚሊየን ቀረፅን ታክሲን ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሽፋን ሕጋዊ ንግዲ ንምጭብርባር ተሓሲቡ ዝነበረ ልዕሊ ብር 4 ነጥቢ 4 ሚሊየን ቀረፅን ታክሲን ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

እቶም ምጭብርባራት ንግዲ ኣብ ቦሌ፣ ኣዳማ፣ ቃሊቲን ድሬዳዋን ዝርከቡ ጨንፈራት ጉምሩኽ ዝተኣከቡ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ድማ ካብ 21 ክሳብ 28 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ጥራሕ ካብ ወፃኢ ኣብ ዝኣትዉ ኣቕሑት ዋገኦም ብንካይ፣ ብዝተሰሓሓተ ኣመዳድባ ታሪፍ፣ ብሃንደበታዊ ፍተሸን ካልኦት ምጭብርባራትን ምኽንያት መንግስቲ ክስእኖ ዝነበረ ብድምር ብር 4 ሚሊየን 408 ሺሕ 545 ንኽኽፈል ተገይሩ ኢዩ።

ብትኽክለኛ ታሪፍ ብዘይምምዳቦም ቀረፅን ታክሲን ክጭብርበሩ ተሓሲቦም ዝነበሩ ኣቑሑት፥ ቻርጀር ሞባይል፣ ኢርፎን፣ ክዳውንቲ፣ መለዋወጢ ኮምፒዩተርን እታወወታት መፍረዪን ከምዝርከቡዎም ካብ ሚኒስቴር እቶት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዚ ድና ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ካብ ውልቀ ረብሓ ንላዕሊ ንሃገሮምን ወገኖምን ፅቡቕ ስነ-ምግባር ተላቢሶም ስረሖም እናሳለጡ ምዃኖም ዘርኢ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment