ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሽይጣት መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቤተ መፃሕፍቲ ህዝቢ ጋምቤላ ከህነፅ ኢዩ።
ፍሉይ ኣማኻሪ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ብርሃኑ ደጀኔ ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፥ ካብ ሽይጣት እቲ መፅሓፍ ብዝርከብ ኣታዊ በዓል ከልተ ደብሪ ቤተ መፃሕፍቲ ንምህናፅ ስራሕቲ ዲዛይን ተዛዚሙ እምነ ኩርናዕ ተቐሚጡ።
ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 18 ሚሊየን ብር ቃል ከምዝተኣተወን ካብ ውሽጢ እዚ ልዕለዒ 9 ነጥቢ 7 ሚሊየን ናብ ዝተዳለወ ዕፁው ኣካውንት ኣታዊ ከምዝተገበረ ኣረጋጊፆም።
ኣብ ቀረባ ድማ ምስ ኣብያተ ዕዮ፣ ዞባታተን ወረዳታትን ለዕሊ 3 ሚሊየን ከምዝተኣከበ ገሊፆም።
ኣብ ቀፃሊ ጨረታ ብምውፃእ ስራሕቲ ህንፀት ከምዝጅመር ኣፍሊጦም።
ብዮሐንስ ደርበው