ብሽም ትካል ዕፃ በፂሑኩም ብዝብል ናይ ምጭብርባር ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኮሚሽን ፌዴራል ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዚያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ብሽም ትካል ኮካ ኮላ ዕፃ በፂሑኩም ብዝብል ናይ ምጭብርባር ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኢንተለጀንስ ገበን ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል “ንብሉፃት ዓማዊል ፕሮግራም ኣዳሊዩ ከምዝነበረን ካብ ዝተሓረዩ ዓማዊል ንኹም ዚኹም” ብዝብል “ተዓዋቲ 200 ሺሕ ዶላር ስለዝኾኑ እንኳዕ ደስ በለኩም” ዝብል ምድንጋር ከምዝኾነ እቲ ኮሚሽን ገሊፁ፡፡

ነቲ ምጭብርባር ስዒቡ ድማ ንመፈፀሚ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝኸውን ብር 640 ሺሕ ብቕልጡፍ ለኣኹ እናበሉ ከምዘጭበርበሩ ገሊፁ፡፡

ሓደሓደ ተበደልቲ ኣብ ዝተፋላለየ እዋንን ኣካውንትን ብር 640 ሺሕ ነቶም ኣጭበርበርቲ ኣታዊ ምስ ገበሩ ደሃዮም ከምዘጥፍኡሎም ነቲ ኮሚሽን ተዛሪቦም፡፡

እዚ ተግባር ገበን ንምቁፅፃርን ንፍሻልን ፖሊስ ብዝገበሮ ፃዕሪ ኣጭበርበርቲ ኣካውንት ቁፅሪ ባንኪን ሲም ካርድን ዘውፅኡዎም ብናይ ሕሶት /Forged/ መለለዪ መንነት ከምኡ እውን ዝድውሉሉ መስመር ስልኪ ቅድሚ ሕዚ ጉጅለ ጁንታ ንእኩይ ተግባር ብዝዘርገሖም ሲም ካርድታት ከምዝኾኑ እውን ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ ድማ ዜጋታት ብከምዚ ዓይነት ገበን ከይብደሉ ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግባእ ኢንተለጀንስ ገበን ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኣገንዚቡ፡፡

ተመሳሰልቲ ተግባራት ገበን እንተጋጥም እውን ገንዘቦም ኣታዊ ቅድሚ ምግባሮም ምስ ስድረኦም ብምዝርራብን ንኣካላት ፀፅታ ብምሕባር ዘይሕጋዊያን ኣካላት ናብ ሕጊ ኣሕሊፎም ንክህቡን ከምዘተሓሳሰበ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment