ብሽም ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ሓምለዋይ ኣሰር ዘንብሩሉ ፓርክ ሰይምና – ከተባ ኣደነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዝነበረ መርሃ ግብሪ ምንባር ሓምለዋይ ኣሰር ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ኣሰሮም ዘንብሩሉ ፓርክ ከምዝተየሰመ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡

እተን ከንቲባ  ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘስፈርኦ ፅሑፍ፤ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ  ኣሕመድ ዝተጀመረ ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ንምግባር ኩሉ ኢትዮጵያዊ ሓላፍነት ከምዝዋፃእ ገሊፀን፡፡

እዚ ፓርኪ ትርጉሙ  ሓምለዋይ ማለት እዩ፡፡

“ብወፃኢ ዓለም ኢትዮጵያ ፅዕንቶ እንትበፅሓ እቲ  ዲያስፖራ ዓቕሙ እንተይ ሰሰዐ ቃልሲ እናገበረ ፀኒሑ እዩ” ኢለን፡፡

ወለዶ ክማሃር እዋኑ ክሓስብ  ከምእዉን ከባቢ ንምልማዕ ንዲያስፖራ መዘከርታ ዝኸዉን ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን፡፡

ሓምለዋይ ኣስር ተሳትፎ ዲያስፖራ የበረታትዕ፤ ኣብ ቐፃሊ እቶም ተሳትፎታት ብምጉላህ ሃገር ብኹሉ ዓዉዲ ንምድጋፍ ግዲኦም ከምዘበርክቱ ዘለወን ተስፋ ገሊፀን፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment