ብሸነኽ ሰሜን እዛ ሃገር ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ህፁፅ ምላሽ ንምሃብ ዝተጀመረ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ-ወይዘሮ ሙፈሪያት

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምስ እዋናዊ ኩነታት ብዝተተሓሓዘ ብሸነኽ ሰሜን እዛ ሃገር ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ህፁፅ ምላሽ ንምሃብ ዝተጀመረ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ ክብላ ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ኣፍሊጠን።

ኩለ መዳይ ጉጅለ ቅኒት ህፁፅ ጊዜ ኣብ ክሊ ዝኣከቦ እዋናዊ ፀብፃብ ዓለም ለኻዊ ወሃብቲ ሓገዝ ኣብ ዘለውሉ ሓበራዊ ዘተ ይካየድ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ንዝተመዛበሉ ወገናት ዕለታዊ ደገፍ ብዝተኽኣለ ቅልጣፈ ምስ ምብፃሕ ጎድኒ ንጎድኒ ዜጋታት መሊስካ ናይ ምጥያሽ ተግባር ክፍፀም ከምዝግበኦ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ከምዝተገለፀ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

ቅድመ ሐዚ ብዘጋጠሙ ዝተፈላለዩ8 ተፈጥሮኣዊ ይኹን ሰብ ስራሕ ሓደጋታት ህፁፅ ሓገዝ ዘቕረቡ ትካላት ሐዚ እውን ኣብ ዘጋጠመ ፀገም ምትሕብባሮም ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ከምዘረጋገፁ ገሊፆም።

እተን ሚኒስትር ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ናይ ምብፃሕ ስራሕ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ቀዳምነት ክወሃቦ ከምዝግባእ ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment