ብስቓይ ህዝቢ ዝስራሕ ዝኾነ ይኹን ስራሕ ፖለቲካ ውፅኢቱ ምንም ከምዝኾነ ምርዳእ ይግባእ – ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብስቓይ ህዝቢ ዝስራሕ ዝኾነ ይኹን ስራሕ ፖለቲካ ውፅኢቱ ምንም ከምዝኾነ ምርዳእ ይግባእ ክብል ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ገሊፁ።

እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ሕዚ ድማ እቲ ክልል ናብ ፀልማት ንምእታው ሓሲቡ እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጡ፡፡

ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ÷ “ብስቓይ ህዝቢ ዝስራሕ ዝኾነ ይኹን ስራሕ ፖለቲካ ውፅኢቱ ምንም ከምዝኾነ ምርዳእ ይግባእ” ክብል ኣገንዚቡ፡፡

ንህዝቢ ኣምሓራ ብምስቓይን ናብ ፀገም ብምእታው ዓወት ክርከብ ይኽእል ኢዩ ብዝብል ዕዉር ድንቡር ሜላ ቃልሲ ዝኽተል እቲ ፅንፈኛን ዘራፊን ሓይሊ÷ ንህዝቢ ናብ ዝተሓላለኸ ስቓይ ከምዘእተወ ኣብሪሁ።

“እቲ ፅንፈኛን ዘራፊን ጉጅለ ንህዝቢ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ናብ ዝተሓላለኸ ፀገም ንምእታው እናሰርሐ ይርከብ” ዝበለ እቲ መግለፂ÷ ብዝለመዶ መገዲ 26 ለካቲት 2016 ዓ.ም ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ባህር ዳር – ደብረታቦር – ንፋስ መውጫ – ጋሸና – ኣላማጣ ዝተዘርገሐ በዓል 230 ኪሎ ቮልት መመሓላለፊ ላዕለዋይ ሓይሊ መስመር ኣብ ከባቢ ንፋስ መውጫ ሓደ ፌዝ ብመሳርሒ ብምውቅዑ ካብ ድሕሪ ቀትሪ ጀምሩ መብዛሕትኡ ከባቢ ክልል ኣምሓራ ግልጋሊት መብራህቲ ክስእን ከምዝገበሮ ገሊፁ።

“እዚ ህዝቢ ክማረር ብምግባር ናብ ቃልሲ ናይ ምልዕዓል ሜላ ዝኣረገ፣ ግዘ ዝሓለፎን ዝተነቕሐሉን ሜላ ቃልሲ ከምዝኾነ ኣይተረደአን ኢሉ” እቲ መግለፂ።

ናብራ ህዝቢ ብምጉስቛልን ናብ ድኽነት ብምእታውን ዓወት ኣይርከብን እንተተረኸበ እውን ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣየብፅሕን ኢሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment