ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትራማ ወይድማ ናይ ስሚዒት ምቅዋስ ብሰንኪ ከምሀገር ዘጋጥሙ ዘለዉ ማሕበራዊ ፣ ፖለቲካዊን ቁጠባዉን ቅልዉላዋት ኣብ ማሕበረሰብና ብሰፊሑ ዝረኣ ፀገም ስነ- ልቦና ኮይኑ ከምዝርከብ ተሓቢሩ፡፡
ትራማ ወይድማ ምቅዋስ ስሚዒት ሰባት ኣብ ሓደ ነገር ኣድህቦ ከይገብሩ ዕለታዊ ናብርኦም ብኣግባቡ ከይመርሑ፤ ተምሃሮ ትምህርቶም ብኣግባቡ ከይከታተሉ ፣ሰራሕተኛታት ኣብ ቤት ዕዮኦም ንጡፋት ተሳተፍቲ ከይኾኑ ካብ ምግባር ሓሊፉ ንካልኦት ፀገማት ጥዕና ከምዘቃልዐና ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃኒሒት ዝገበሩ ሙሁር ስነ ልቦና ኣይተ በሪሁ ገብረ መድህን ይገልፁ፡፡
ፀገም ምቅዋስ ስምዒት ዘጋጥሞም ሰባት መዓልታዊ ዉዕሎኦም ከካይድዎም ዝግባእ ንጥፈታት ማለት እዉን ጥዕንኡ ዝሓለወ ኣመጋግባ ፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ፣ እኹል ድቃስን ዝኣመሰሉ ተግባራት ብዝግባእ ስለዘየሳልጡ ነዚ ስዒቡ ንዝመፁ ከም ፀቅጢ ደም ፣ሕማም ሽኮርን ዝኣመሰሉ ፀገማት ጥዕና ከምኡ’ዉን ንዝከፍኣ ፀገም ጥዕና ኣእምሮ ከምዝቃልዑ ኣይተ በሪሁ ኣብሪሆም፡፡
ትራማ ካብ ዉልቀ ሰባት ሓሊፉ መፃኢ ተስፋን ዕብየትን ማሕበረሰብን ሀገርን ንድሕሪት ዝጎትት ፀገም ስነ ልቦና እዩ፡፡
ብፍላይ ድማ ብሰንኪ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሀገርና ዝነበረ ኲናት ኣብ ትግራይ ብርክት ዝበለ ናይ ማሕበረሰብ ክፋል ንፀገም ትራማ ተቃሊዑ ይርከብ ፤ እዚ ፀገም ድማ ናብ ዝከፍአ ስነ ኣእምራዊ ፀገም ጥዕና ተሰጋጊሩ ፤ ማሕለኻ ንዳግመ ህንፅት ትግራይ ዝግበር ጉዕዞ ከይኸዉን ዓቅሚ እዛ ሀገር ብዝፈቅዶ መንገዲ ሕብረተሰብ ባዕሉ ንባዕሉ ብምድግጋፍ ካብዚ ፀገም ክወፅእ ክስራሕ ከምዘለዎ ኣይተ በሪሁ ኣረዲኦም፡፡
ብካሊእ ወገን ድማ ኣብ ትግራይ ሰላማዊ ኩነታት ዓሲሉ ሕብረተሰብ ናብ ንቡር መነባብርኡ ምምላሱ ኣብ ህንፀት ስነ ልቦና ዝለዓለ ረብሓ ዋላ’ኳ እንተሃሎዎ ሐዚ እዉን ኣብ ከቢድ ኩነታት ኮይኖም ናብርኦም ዝመርሑ ክፋላት ሕብረተሰብ ማእለያ ዘይብሎም ብምዃኖም እቲ ኣብ ዝሐሸ ብርኪ ስነ ልቦናዉን ማሕበራዉን ኩነታት ዝርከብ ማሕበረሰብ ነቲ ዝተሃሰየ ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኣይተ በሪሁ ኣዘኻኺሮም፡፡
ብሃመልማል ተስፋይ