ብሰብ ስራሕ ብልሒ(ኣርተፊሻል ኢንተሊጀንስ) ዝተሓገዘ መጥባሕቲ ሕክምና…

ብሰብ ስራሕ ብልሒ(ኣርተፊሻል ኢንተሊጀንስ) ዝተሓገዘ መጥባሕቲ ሕክምና…

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ቻይና ንፈለማ እዋን ብሰብ ሰራሕ ብልሒ (ኤ ኣይ) መጥባሕቲ ሕክምና ጎሮሮ ምክያዳ ኣፍሊጣ፡፡

እቲ መጥባሕቲ ሕክምና ዝተኻየደ ኣብ ቻይና ግዝኣት ዥንያንግ እንትኸዉን፥ ኣብ ሓደ ዉልቀ ሰብ ተሓካሚ ጎሮሮ እዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ መጥባሕቲ ሕክምና ጎሮሮ ሙሉእ ብሙሉእ ብሰብ ሰራሕ ብልሒ ሮቦታት ምክያዱ ሲጂቲኤን ፀብፂቡ፡፡

ቲ ኦ ኣር ኤስ ኤስ ዝተብሃሉ እቶም ሰብ ሰራሕ ብልሒ ሮቦታት÷ እቲ መጥባሕቲ ሕክምና ክሳብ ዝዉዳእ ጉጅለ ዶክተራት ዩኒቨርስቲ ሻንጋይ ነቶም ሮቦታት መምርሒ እናሃቡን ይከታተልዎም ነይሮም ተባሂሉ፡፡

ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዓይኒ፣ እዝኒ፣ ኣፍንጫን ጎሮሮን ብስፔሻሊስት ዶክተራት÷ ኣብ 5 ሺሕ ርሕቐት ዝርከብ ተሓካሚ ንሮቦታት ትእዛዝ ብምሃብ ዉፅኢታዊ ሕክምና ምክያዶም ተገሊፁ፡፡

ንፈለማ እዋን ዉፅኢታዊ ዝኾነ ብሰብ ስራሕ ብልሒ ዝተሓገዝ ሕክምና፥ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ቻይና ኣብ ዓዉዲ ጥዕና ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ተገሊፁ።

ብሚኪያስ ኣየለ

Comments (0)
Add Comment