ብሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝበፅሐና ውቅዒት ምፅዋር ኣይከኣልናን-ዕጡቓት ግብረ ራዕዲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉመን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝበፅሐና ውቅዒት ምፅዋር ኣይከኣልናን ክብሉ ኣብ ግምባር ሰቖጣ ኢዶም ዝሃቡ ዕጡቓት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተዛሪቦም።

እቶም ምሩኻት ይካየድ ኣብ ዘሎ ኲናት “ኣምሓራ ክትድምሱሱ ኣለኩም” ዝብል ልኡኽ ከምዝተውሃቦም ተዛሪቦም።

ኣብ ትግራይ ልዑል ዓፈናን ገህሰት ሰብኣዊ መሰልን ይፍፀም ከምዘሎ በምግላፅ፥ ኣብ ልዕሊ ስድረኦም ዝበፅሕ ምንግልታዕ ንዘይምርኣይ ክብሉ ናብቲ ጉጅለ ራዕዲ ከምዝተሓወሱ ገሊፆም።

ባህጊ ኲናት እንተዘይብሎም እውን ካብ ዝሰርሕሉ ከባቢ ብዕጡቓት እቲ ግብረ ራዕዲ ተገዲዶም ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ከምዝተወሰዱ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ኲናት ብሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝበፅሐና ውቅዒት ምፅዋር ኣይከኣልናን ድማ ኢሎም።

ብዙሓት ኣብ ፅግዖም ከምዝተደምሰሱ እውን ተዛሪቦም።

ኣብቲ ግንባር ዝተሰለፉ ኣመራርሓ እተ ጉጅለ ራዕዲ ከምዝሞቱ፣ ዝተረፉ እውን ሓዲገምዎም ከምዝሃደሙ እቶም ምሩኻት ምዝራቦም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

Comments (0)
Add Comment