ብሰለስተ ፍሪያታት ሆርቲካልቸር ምስ ኮሜሳ ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያ ብፍሪያታት ኣቮካዶ፣ ቀይሕ ሽጉርቲን ድንሽን ምስ ሓበራዊ ዕዳጋ ምብራቕን ደቡባዊን ኣፍሪካ(ኮሜሳ) ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ኸቲማ።

መድረኽ ምትእስሳር ሆርቲ ካልቸር  ሓበራዊ ዕዳጋ ምብራቕን ደቡባዊን ኣፍሪካ(ኮሜሳ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ኮሜሳ፣ ሚኒስቴር ግብርና፣ ኣመራርሓ ማሕበር ለኣኽቲ ኣፍረይቲ ሆርቲ ካልቸር ኢትዮጵያን ካለኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።

ፍሪያታት ሆርቲ ካልቸር ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊ ንግዲ ኮሜሳ ከምኡውን ካልኦት ምትእስሳራት ዕዳጋ ወፃኢ ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ተዋሳእቲ እቲ ዓውዲ ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ምጥንኻር ከምዘኽእል ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ዓውዲ ሆርቲ ካልቸር ሚኒስቴር ግብርና ዓብደላ ነጋሽ ገሊፆም።

ብትዕግስት ኣስማማው

Comments (0)
Add Comment