ብርካቦት ኦዲት ክምለስ ካብ ዝግበኦ ልዕሊ 443 ሚሊየን ብር ዝተመለሰ 11 ሚኢታዊ ጥራሕ ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)92 ትካላት ብመሰረት ርካቦት ኦዲት ክምልስኡ ካብ ዝግባእ ርእይቶ ዝተውሃበሉ ልዕሊ 443 ሚሊየንን 23 ሺሕን 846 ብር፣  23 ሺህ 55 ዶላር እቲ 11 ሚኢታዊ  ጥራሕ ከመዝተመለሰ ተገሊፁ።

ዋና ኦዲተር ፌደራል መሠረት ዳምጤ፥ በቲ ቤት ዕዮአን ዝተፈፀሙ ስራሕቲ ዝሓዘ ፀብፃብ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቕሪበን።

ኣብቲ ፀብፃብ፥ ኣብ ኣብያተ ዕዮ ስጉምቲ ክሳብ ምውሳድ ዝበፅሕ ምምሕያሻት ከምዘለዉ ሓቢረን።

ይኹን እንበር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ተቐባልነት ዘስእን ርካቦት ኦዲት ዝተረኸበለንን ብር ተመላሲ ዘይገበራን ኣብያተ ዕዮ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግባእ ተዛሪበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment