ብርእሰ ምምሕዳር ርስቱ ይርዳ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ልምዓት መስኖ ስርናይ ዑደት ይገብር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብርእሰ መምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳ ዝተመርሐ ልኡኽ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ኣብ ዞባታት ጋሞን ወላይታን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ልምዓት መስኖ ስርናይ ዑደት ይገብር ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዑደት ኣይተ ርስቱ ይርዳ ሓዊሱ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ጥላሁን ከበደን ካልኦት ኣመራርሓታትን ሓለፍቲ ስራሕን እቲ ክልል ተረኺቦም።

ኣብ ክልል ደቡብ ኣብቲ ተታሒዙ ዘሎ እዋን ሓጋይ ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ልዕሊ 11 ሺሕ ሄክታር መሬት መስኖ ብምጥቃም ስርናይ ቆላ ከምዝለምዐ ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልል ምሕባሩ ካብ ኮሙዩኒኬሽን ክልል ደቡብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment