ብርትዕቲ ኣፍሪካ ምህናፅ ንረብሓ ሃገር ቦቆል ኣፍሪካዊ መፍትሒ ኣገዳሲ እዩ- ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብርትዕቲ ኣፍሪካ ምህናፅ ህፁፅ ኩነታት ንምፅዋር ጥራይ ዘይኮነስ ብትኹረት ምትላምን ሃገር ቦቆል ኣፍሪካዊ መፍትሓት ንምድላው ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ኣብ ጉዳያት ሰላም፣ ፀጥታን ድሕንነትን ኣፍሪካ ዝዝቲ ጣና ፎረም ሎሚ-መዓልቲ ብዕሊ ተጀሚሩ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ፎረም መደረ ዘስምዑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፥ እቲ ፎረም ኣብ ኣፍሪካ ስግኣት ሰላምን ድሕንነትን ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ ጉዳያት ንምዝታይ ረብሓ ከምዘለዎ ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ “ህንፀት ኣፍሪካ ንምፅዋር ህፁፃት ጉዳያት ጥራይ ዘይኮነስ ብትኹረት ምትላምን ሃገር ቦቆል ኣፍሪካዊ መፍትሓት ምድላውን እዩ” ኢሎም።

ኣፍሪካ ንብኽለት ከባቢ ኣየር ኣበርክቶኣ ውሑድ’ኳ እንተኾነ ንከባቢ ኣየር ተቓላዒት ምዃና ድሕሪ ምፅራሕ፥ በዚ እውን ካብ ሰለስተ ኣፍሪካውያን ሓዲኡ ንፀገም ማይ ተቓላዒ ምዃኑ ፀሪሖም።

ኢትዮጵያ ሓይሊ ፀሓይን ንፋስን ሓዊሱ ኣብ ተሓዳሲ ሓይሊ እትገብሮ ልምዓት ከምትቕፅለሉ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

ወሲኾም ድማ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሕፅረታ ንምቕራፍ ጥራይ ዘይኮነስ ዘለዋ ሓይሊ ብኣግባቡ ብምጥቃም ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ንምልኣኽ ትሰርሕ ምህላዋ እውን ኣልዒሎም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment