ብራዚል ኣብ ልዕሊ ኤክስ ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ኣልዒላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብራዚል ኣብ ልዕሊ ናይ ቀደም ሽሙ ትዊተር ናይ ሕዚ ኤክስ ኣንቢሩዎ ዝነበረ እገዳ ከምዘልዐለ ኣፍሊጡ።

ብቢሊየነር ኤሎን መስክ ኣብ ልዕሊ ዝመሓደር ኤክስ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ዝተልዓለ እቲ ኩባንያ 5 ሚሊየን ዶላር ካሕሳ ብምኽፋሉ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ናይ ኤክስ ብዜጋ ብራዚል ንኽምራሕ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ተገሊፁ፡፡

ኤክስ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2022 ኣብ ፕሬዚዳንታዊ ብራዚል መረፃ ትኽክለኛ ዘይኮነ ሓበሬታ ኣጋዊሑ ብዝብል ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ከይህብ ተኣጊዱ ከምዝነበረ ተሓቢሩ፡፡

Comments (0)
Add Comment