ብሪክስ ንፍትሓዊ ስርዓት ኢኮኖሚን ፋይናንሰን ዓለምን ዝሰርሕ ማዕቐፍ ምትሕብባር ኢዩ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሪክስ ንጠለብ ብዙሓት ማሕበረሰብ ዓለም ጠተው ዝበለን ንፍትሓዊ ስርዓት ኢኮኖሚን ፋይናንሰን ዓለምን ዝሰርሕ በዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማሲ ማዕቐፍ ምትሕብባር ከምዝኾነ ምክትል ፕዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ።

ኣብ ሩሲያ ቭላዲቮስቶክ እናተኻየደ ዝርከብ ዓለም ለኸ ፎረም ፖለቲካ ኣባል ሃገራት ብሪክስን መሓዙት ሃራትን ሎሚ መዓልቲ ሳልሳይ መዓልቱ ሒዙ ይርከብ።

ብምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ ፎረም እናተሳተፈ ይርከብ።

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣካላ ፎረም ፓርቲታት ብሪክስን መሓዙት ሃገራትን ዝኾነን “ዓለም ብብዙሓት ሃገራት ካብ ሞንጎ ዝውከሉ ኢኮኖሚያዊን ፋይናንሳዊን ምትሕብባር ብምድንፋዕ ፍትሓዊ ስርዓት ዓለም ጋህዲ ምግባር ኢዩ” ብዝብል ርእሲ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ መደረ ኣስሚዖም።

ዓለም ነንባዕላ ኣብ ዝተኣሳሰረትሉ ኣብዚ ሕዚ ዘበን ምትሕብባር ኢኮኖሚ መረፃ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሃገራት ኣዚዩ ዘድሊ መጠናኸሪ መገዲ ርክብ ከምዝኾነ እቶም ምክትል ፕሬዝዳንት ገሊፆም።

ካብ ፍትሓዊነት ኢኮኖሚ ጀሚሩ ክሳብ ክሌማዊ ለውጢ ኣፈላላይ ዕቤት ቴክኖሎጂ እናጋጣሙ ዝርከቡ ዓለም ለኸ ፈተናታት ሓበራዊ ምላሽ ምሃብ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ብሪክስ ነባር ኣሰራርሓታት ዓለም ዶብ ተሳጊሩ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ንምፍጣር እናሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ እውን እዋናዊ ኩነታት ዓለም ኣብ ግምት ምስ ዘእተወ ምስ ዘእተወ ማዕቐፍ ምትሕብባር ንባዕላ ብዝበለፀ ንምትእስሳርን ናይ ባዕላ ግደ ንምውፃእን ፅኑዕ ድሌት ከምዘለዋ ኣመልኪቶም።

ዓለም ለኸ ፎረም ፖለቲካ ኣባል ሃገራት ብሪክስን መሓዙትን ፅባሕ ከምዝዛዘም ሓበሬታ ፓርቲ ብልፅግና የመላኽት፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment