ብሪክስ በዓል ብዙሕ ወገን ስርዓት ዓለም ዘረጋግፅ ትካል ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሪክስ በዓል ብዙሕ ወገን ስርዓት ዓለም ዘረጋግፅ ትካል በይነ መንግስታት ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ሩሲያ ከተማ ካዛን እናተኻደ ኣብ ዝርከብ መበል 16 ጉባኤ ብሪክስ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ እቲ ኣኼባ በዓል ብዙሕ ወገን ስርዓት ዓለም ተግባራዊ ብምግባር ሃገራት ዘጋጥሙወን ፀገማት ምፍታሕ ዝኽእላሉ ተስፋ ምህላዉ ዘርኢ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ሓዳሽ ኣባል ብሪክስ ብምዃና ብአምር ፍትሓዊነት ዝዓበያን ኣብ ምዕባይ ዝርከባን ሃገራት ዘማእኸለ በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባር ክጉልብት ኣብ ምግባር ክትሰርሕ ኢያ ኢሎም፡፡

ዓለም ትሕብባራት በዓል ብዙሕ ወገን ብዝጠልቡ ብዙሓት ቅልውላዋት እናሓለፈት ከምትርከብ ብምሕባር÷ ብፍላይ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ዕቤተን ፍትሓዊ ብዘይኮነ ስርዓት ፋይናንስ ዓለም ምኽንያት እናተፈተነ ከምዝርከብ ኣልዒሎም፡፡

ኣብ ዓለም ለኸ ማዕቐፍ ኢኮኖሚ ዘሎ ዘይምምጥጣን ኣብ ልዕሉ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኢኮኖሚያዊ ኣፈላላይ፣ ዝቕባበ ዋጋን ስእነት ስራሕን ንኸጋጥም እናገበረ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment