ብሪታንያ ነበር ዕጡቓት መሊስካ ንምጥያሽ ትገብሮ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ እናተሳለጠ ዝርከብ ነበር ዕጡቓት መሊስካ ናይ ምጥያሽ ስራሕ ዕዉት ንኽኸውን መንግስቲ ብሪታንያ ዝገብሮ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣምባሳደር ዳረን ዌልች ኣረጋጊፆም፡፡

ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ተመስገን ጥላሁን ምስ ኣምባሳደር ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ እቲ ኮሚሽን ዝተውሃቦ ልኡኽቶ ንምዕዋት እናተሰርሑ ዝርከቡ ተግባራትን ዘጋጠሙ ፀገማትን ኣመልኪቶም ኮሚሽነር ተመስገን መብርሂ ሂቦም፡፡

መንግስቲ ብሪታንያ ንመፈፀሚ እቲ መርሃ ግብሪ ዝገበሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ብምምስጋን÷ እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ምሕታቶም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣምባሳደር ዳረን ብግደኦም÷ እቲ ኮሚሽን እናወገኖ ዝርከብ ስራሕ ብምንኣድ ነበር ዕጡቓት መሊስካ ኣብ ምጥያሽ ዘሎ ከይዲ መንግስቲ ብሪታንያ ዝገብሮ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment