ብሪታንያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ብሰንኪ ዝፈፀመቶ ምፍልላይ 33 ቢሊየን ዮሮ ኣስኢኑዋ-መፅናዕቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሪታንያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ብሰንኪ ዝፈፀመቶ ምፍልላይ(ብሪኤግዚት)  33 ቢሊየን ዮሮ ኣስኢኑዋ ክብል መፅናዕቲ ሓቢሩ።

እቲ መፅናዕቲ፥ ብሪታኒያ ነቲ ሕብረት ለቒቓ ምውፃኣ ኣብ ምዕባለ ኢኮኖሚኣ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከምዘዕረፈ ገሊፁ።

ኣብቲ ሕብረት እንተትፀንሕ ግን ምዕባለኣ ብ5 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ክብ ክብል ከምዝነበረ ኣብሪሁ።

እዚ ብገንዘብ እንትትመን 33 ቢሊየን ዩሮ ወይ 40 ቢሊየን ዶላር ከምዝኾነ ማእኸል ሪፎርም ኣውሮፓ ዝገበሮ መፅናዕቲ ከም ፍልፍል ብምጥቃም ኣር ቲ ፀብፂቡ።

ብተወሳኺ ኣብ ምልቅስቓስ ኢንቨስትመንትን ንግዲን ልዑል ኪሳራ ከምዘስዓበላ ሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment