ብሞያ መምህርነት እናገልገሉ ዝነበሩ ሰብሞያታት ሃገራዊ ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሞያ መምህርነት እናገልገሉ ዝነበሩ ሰብሞያታት ሃገራዊ ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ ሚኒስቴር ትምህርቲ ፀዊዑ።

እቲ ሚኒስቴር ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ንሸውዓተ ኣዋርሕ ተቛሪፁ ዝነበረ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምሕጋዝ መምህራን ኣብ ቀረበኦም ኣብ ዝርከባ ኣቢያተ ትምህርቲ ንምግልጋል ምድላው ንኽገብሩ ፀዊዑ ኣሎ።

ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ጌታሁን መኩሪያ፥ ካብ ዝቕፅል ሰኑይ ጀሚሩ “ኣነ እውን ከምህር ኢየ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ መላእ ሃገር ቅድሚ ሕዚ ብመምህርነት እናገልገሉ ዝነበሩን ብሞያ መምህርነት ዝሰልጠኑ ሰብሞያታትን ናይ ምምዝጋብ ስራሕቲ ከምዝስራሕ ገሊፆም።

እቶም ሰብሞያታት ኣብ ቀረበኦም ናብ ዝርከባ ኣቢያተ ትምህርቲ ብምኻድን ብምምዝጋብን ብሞየኦም ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ሓገዝ ንኽገብሩ ፃውዒት ምቕራቡ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረሐብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሚኒስቴር ትምህርቲ ስሩዕ ትምህርቲ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣካላዊ ርሕቐት ንምሕላው ብዝብል ኣብ ሓደ ክፍሊ ዝመሃሩ ተምሃሮ ቁፅሮም ካብ 20 ክሳብ 25 ክኸውን ምግባሩ ስዒቡ፥ ኣብያተ ትምህርቲ ከከም ኩነታት ከባቢአን ብፈረቓ ንኽህባ ወሲኑ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment