ብምኽንያት ፀገም ፀፅታ ልዕሊ 7 ነጥቢ 2 ሚሊየን ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ኣይተመለሱን

ብምኽንያት ፀገም ፀፅታ ልዕሊ 7 ነጥቢ 2 ሚሊየን ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ኣይተመለሱን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብምኽንያት ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ልዕሊ 7 ነጥቢ 2 ሚሊየን ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዘይተመለሱ ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ገሊፆም፡፡

ሚኒስትር ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ከተማ ባህር ዳር መድረኽ ጎስጓስ ትምህርቲ እቲ ክልል ይካየድ ኣሎ።

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብምኽንያት ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ልዕሊ 7 ነጥቢ 2 ሚሊየን ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቶም ከምዘይተመለሱ ገሊፆም።

ጎንፂታት ኣእምሮ ህፃናትን መናእሰይን ብምምራዝ ቀፃሊ ዕድሎም ዘተዓናቕፉ ብምዃኖም፤ ብህፁፅ መፍትሒ ክወሃቦም ከምዝግባእ ብኣፅንኦት ኣልዒሎም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ኣረጋ ብግደኦም፥ ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ትምህርቲ ዘጋጠመ ዝኸፍአ ጉድኣት ናብ ዝነበሮ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምምላስ መዳርግቲ ኣካላት ርብርብ ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ኣብቲ ክልል ብምኽንያት ዘጋጠመ ፀገም ፀፅታ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ እዚ ዓመት 7 ሚሊየን ተምሃሮ መዝጊብካ ንምምሃር ይተሓሰብ እምበር፤ ዝተመዘገቡ ተምሃሮ 2 ነጥቢ 8 ሚሊየን ጥራሕ ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም፡፡

እቲ መድረኽ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ኣብ ዝበፅሐ ጉድኣት ብምዝታይ ቀፃሊ ኣንፈት ክቕመጥ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ብደሳለኝ ቢራራ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment