ብምኽንያት ድርቂን ጎንፂን ዝተጎድኡ ክፋላት ማሕበረሰብ ዝድግፍ ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ኢንተግሬትድ ዴቨሎፕመንት ፈያ (ኤፍ ኣይ ዲ ኦ) ብምኽንያት ድርቂን ጎንፂን ዝተጎድኡ ክፋላት ማሕበረሰብ ዝድግፍ ፕሮጀክት ዕላዊ ገይሩ፡፡

እቲ ትካል ንሓደ ዓመት ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ ሶማሊያን ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ፤ ብድርቂ ሕፅረት ምግቢ፣ ፀገማት ውልቃዊን ከባቢያዊን ንፅህናን ብምኽንያት ጎንፂ ንዝተጎድኡ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣገልግሎት ጥዕናን ሰብኣዊን እናቕረበ ምፅንሑ ተሓቢሩ፡፡

በቲ ፕሮጀክት ልዕሊ 300 ሺሕ ክፋላት ማሕበረሰብ ተረባሕቲ እቲ ኣገልግሎት ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

መድረኽ መዛዘሚ ፕሮጀክት ሓደ እቲ ትካልን መጀመሪ ሓዱሽ ሮጀክትን ኣብ ከተማ ኣዳማ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ትካል ኢንተግሬትድ ዴቨሎፕመንት ፈያን ካልኦት መሰል ሃገር በቆል ትካላትን ፀገም ፈታሕቲ ፕሮጀክታት ኣብ ምትግባር ግደኦም ዕዙዝ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ኣብ ወፃሊ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ፀገም ጥዕና ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ዝግበር ፃዕሪ ንምድጋፍ ሚኒስቴር ጥዕና ቁርፀኛ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ኣብ ካልኣይ ዙር እቲ ፕሮጀክት፥ ልዕሊ 500 ሺሕ ዝኾኑ ዜጋታት ተበፃሒ ንምግባር ከምዝተሓሰበ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment