ብምኽንያት ወሰኽ ዋጋ መለዋወጢኣቑሑ  መጓዓዝያን  ነዳድን ምምሕያሽ ታሪፍ ትራንስፖርት ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት ወሰኽ ዋጋ መለዋወጢኣቑሑ  መጓዓዝያን  ነዳድን ምምሕያሽ ታሪፍ ትራንስፖርት ከምዝገበረ ሚኒስቴር ንግዲን ቀጠናዊ ምትእስሳርን  ኣፍሊጡ።

ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጀስቲክስን ካብ 29 ሰነ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ብመሰረት ዝተገበረ ምምሕያሽ መሽጢ ዋጋ ነዳዲ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ህዝቢ ንዝህባ መጓዓዝያ ታሪፍ ትራንስፖርት ምምሕያሽ ገይሩ።

ብመሰረት እዚ፥ ብደረጃ ሓደ ኣብ መገዲ ኣስፋልቲ ነባር ታሪፍ ንሓደ ሰብ ብኪሎሜትሮ 0 ነጥቢ 5360 እንትኸውን፤ እቲ ሓዱሽ ታሪፍ ድማ 0 ነጥቢ 5600 ብር ብኪሎሜትሮ ኮይኑ።

ወሰኽ ድማ ብኪሎሜትሮ 0 ነጥቢ 0240 ሳንቲም እዩ ኢሉ።

ደረጃ ሓደ ብመገዲ ፀፀር ነባር ታሪፍ ንሓደ ሰብ ብኪሎሜትሮ 0 ነጥቢ 6150 እንትኸውን፥ እቲ ሓዱሽ ታሪፍ ድማ 0 ነጥቢ 6464 እዩ።

ወሰኽ አንትርአ፥ ንሓደ ሰብ ብኪሎሜትሮ 0 ነጥቢ 0314 ሳንቲም ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ደረጃ ክልተ ኣብ  መገዲ ኣስፋልቲ ነባር ታሪፍ ንሓደ ሰብ ብኪሎሜትሮ 0 ነጥቢ 5120 እንትኸውን፥ እቲ ሓዱሽ ታሪፍ 0 ነጥቢ 5420 እዩ። ወሰኽ ድማ 0 ነጥቢ 0300 ሳንቲም እዩ።

ደረጃ ክልተ ብመገዲ ፀፀር ነባር ታሪፍ ንሰብ ብኪሎሜትሮ 0 ነጥቢ 5680 እንትኸውን፥ እቲ ሓዱሽ ታሪፍ ድማ 0 ነጥቢ 6054 ብር እዩ።

ወሰኽ ብኪሎሚትሮ 0 ነጥቢ 0374 ሳንቲም እዩ ተባሂሉ።

እቲ ታሪፍ  ኣብ ላዕሊ ብመሰረት ዝተገለፀካብ ሎሚ መዓልቲ 30 ሰነ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኸውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment