ብምኽንያት ወራር ኣሸባሪ ህወሓት ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ፀገም ኣጋጢሙዎ ክብላ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍጹም ኣሰፋ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት ወራር ኣሸባሪ ህወሓት ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ፀገም ኣጋጢሙዎ ክብላ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍጹም ኣሰፋ ገሊፀን።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበራ እተን ሚኒስትር፥ ኣሸባሪ  ህወሓት ወራር ኣብ ዝፈፀመሎም ከባብታት ኣብ መሰረተ ልምዓት፣ ሂወት ሰብ፣ ስፍራታት ቱሪዝምን ውልቃውን መንግስታውን ወሃብቲ ትካላትን ልዑል ዕንወት ምብፅሑ ተዛሪበን፡፡

ብምኽንያት ዝበፅሐ ዕንወትን እቲ ኲናት ዝፈጠሮ ኢኮኖሚያዊን እና ማህበራዊን ፅዕንቶን ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ፀገም ከምዘጋጠሞ እየን እተን ሚኒስተር ገሊፀን፡፡

ሕጂ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ምፅናዕቲ ኣካይድካ ዝዓነዉ ንብረታት መሊስካ ምጥያሽን ዝተመዛበሉ ናብ ቦታኦም ምምላስን እዩ ዝበላ እተን ሚኒስትር÷ ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያት ምስተሰርሑ ቀፂሉ ናይ ነዊሕን ሓፂርን እዋን ትልምታት ልምዓት ከምዝኽየድ ሓቢረን፡፡

ጎኒ ጎኒ ቫይረስ ኮሮናን ኲናትን÷ 6 ነጥቢ 3 ሚኢታዊት ዕቤት ኢኮኖሚ ምምዝጋቡን ዘፈር ግብርና ድማ ንዕቤት ኢኮኖሚ ልዑል ኣበርክቶ ከምዝገበረን ተዛሪበን፡፡

ብዘፈር ማክሮ ኢኮኖሚ ምምሕያሽ ብምግባር ንምህርቲ ውሽጢ ዓዲ ትኹረት ምሃቡ እዛ ሃገር ዋላኳ ኣብ ኲናት ትኹን እምበር ዕቤት ኢኮኖሚ ክተመዝግብ ኣበርክቶ ምግባሩ እተን ሚኒስትር ገሊፀን፡፡

ብተወሳኺ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን 1 ሚሊየን ዳያስፖራ ኢትዮጵያውያን ናብ ዓዶም ከምዝኣትዉ ዝገለፃ ኮይነን፤ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዓቕሚ ብምፍላይ ዳያስፖራታት ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ክምልከቱ ከምዝገብር ፀሪሐን፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment