ብምኽንያት ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ዋጋ ነዳዲ ኣዚዩ እናወሰኸ ምምፅኡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ዋጋ ነዳዲ ኣዚዩ እናወሰኸ ምምፅኡ ተገሊፁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዋጋ ድፍድፍ ነዳዲ 139 ነጥቢ 13 ዶላር እንትኸውን፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ መፋርቕ 2008 ጀሚሩ ልዑል ወሰኽ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ካብ ነዳዲ ብተወሳኺ ኣብ ሩሲያ ዝፈርዩ ከም ስርናይን ሓጺንን ዝበሉ ፍርያታት እውን ልዑል ወሰኽ ዋጋ ከምዝተርኣየ ተሓቢሩ፡፡

ምስቲ ኲናት ተተሓሒዙ ዋጋ ወርቂ ክሳብ 2 ሺሕን 86 ዶላር ከምዘንቆልቆለ ተሰሚዑ፡፡

ሸርፊ ወፃኢ ዶላር እውን ልዑል ወሰኽ ምርኣዩ እውን ተባሂሉ።

ሰብ ሞያ ቁጠባ ምስ ወሰኽ ዋጋ ድፍድፍ ነዳዲ ተተሓሒዙ ጥንቃቐ ምግባር ከምዝግባእ ይምዕዱ፡፡

ኣብ ዓለም ለኸ ኢኮኖሚ ዘሕድሮ ፅዕንቶ ካብ ብሕዚኡ እናተርኣየ እንትኸውን፥ ብፍላይ ድማ ዕዳጋ ኣክሲዮን ኣውሮፓ ከምዝተጎድኡ ሓበሬታታት የመልክቱ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment