ብምኽንያት ኩናት ንዝተመዛበሉን ካብ ሃገራት ዓረብ ዝተመለሱን ናብ ስራሕ ንክኣተው ብምውዳድ ክስራሕ ከምዘለዎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት ኩናት ንዝተመዛበሉን ካብ ሃገራት ዓረብ ዝተመለሱን ናብ ስራሕ ንክኣተው ብምውዳድ ክስራሕ ከምዘለዎ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ካብ ስደት ተመለስቲ ወገናት ብምስልጣን ናብ ስራሕ ንምእታው ምስ ሓለፍቲ ትካላት ፋይናንስ፣ ምስ ኣመራርሓ መንግስቲ ፌደራልን ክልልን ተዛትዩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ በቲ ኩናት ምኽንያት ጉድኣት ንዝበፀሖም ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት፣ኢንተርፕራይዛትን ትካላት ቴክኒክን ሙያን መሊስካ ንምውዳብ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ዘተ ተኻይዱ፡፡

ኣብ ሚኒስቴር ክእለትን ስራሕን ሚኒስትር ዴኤታ ዓውዲ ዕዳጋን ወፍሪ ስራሕን ኣይተ ንጉሡ ጥላሁን÷ካብ ዓረብ ሃገራት ዝምለሱ ዜጋታት ተቐቢሉ ናብ ስራሕ ንምውፋር ተዋዲድካ ምስራሕ ከምዝግባእ ትኩረት ተዋሂቡ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ኣዋርሕ ልዕሊ 100 ሽሕ ካብ ወፃኢ ሃገራት ዜጋታት ስለዝምለሱ መሊስካ ንምጥያሽን ስልጠና ከምዝወሃብ ናይ ስራሕ ዕድላት ክመቻቸው እዮም ኢሎም፡፡

ሓለፍቲ ቢሮ ክልልን ዝምለከቶም ትካላት ፌደራልን ካብ ስደት ተመለስቲ ወገናትና መረዳእታታት ብግቡእ ምሓዝን ናብ ስራሕ ንክኣትው ብምውዳድ ምስራሕ ከምዘድሊ ሓቢሮም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment