ብምኽንያት በዓል መስቀል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብሽክሌታ ፀብለልታ ንዘርኣዩ ተወዳደርቲ ሜዳሊያ ተበርኪቱሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ዓዲግራት ውድድር ብሽክሌታ ብክልቲኡ ፆታ ተኻይዱ።

ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብሽክሌታ ፀብለልታ ብምርኣይ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ንዝዛዘሙ ተወዳደርቲ ሜዳሊያ ተበርኪቱሎም።

ብመሰረት እዚ፦

ማውንቴይን ደቂ ተባዕትዮ

1ይ ናሆም መዝገቦ፦ ራይት ማይ ሜዳሊያ ወርቂ

2ይ ኣዶናይ ፊሊሞን፦ ራይት ማይ ሜዳሊያ ብሩር

3ይ ለገሰ ሰለሞን፦ ማይ ግልጋሎት ከተማ ዓዲግራት ሜዳሊያ ነሓስ

ኮርሶ ደቂ ኣንስትዮ

1ይ ምዕራፍ ገረዚሄር፦ ካብ ጋንታ መሰፍን ሜዳሊያ ወርቂ

2ይ ሄለን ፍስሃ፦ ካብ ጋንታ ትራንስ ሜዳሊያ ብሩር

3ይ ገነት መኮነን፦ ካብ 70 እንደርታ ሜዳሊያ ነሓስ ተዓዊተን።

Comments (0)
Add Comment