ብምኽንያት ልዑል ሙቐት ዝተወለዐ ሰደድ ባርዕ ሓዊ ልዕሊ 40 ሰባት ንሕልፈት ከምዝተቓልዑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዑል ሙቐት ብዘስዐቦ ሰደድ ባርዕ ሓዊ ልዕሊ 40 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ኣብ ኣልጄሪያ፣ ጣሊያንን ግሪክን ዘሎ ሰደድ ባርዕ ሓዊ ናብ መንደራትን መዘናግዒ ቦታታትን ብምስፍሕፍሑ ህይወት ሰባት ምሕላፉ ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታ መረበቶም ሓዲጎም ክወፅኡ ከምዝተገበረ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ሰደድ ባርዕ ሓዊ ኣብ ዙሪያ ከባቢ ባሕሪ ሜዲትራንያን ዝርከባ ሃገራ ባህር ብዘጋጠመ ልዑል ማዕበል ሙቐት ዝተወለዐ ከምዝኾነ ሰብ ሞያ ትንበያ ሚቲዮሮሎጅ ኣመልኪቶም።

ኣብ ግሪኽ ኮርፉን ኢቪያን ኣብ ዝተብሃላ ደሴታት ዝነብሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ከባቢኦም ለቒቖም ንኽወፅኡ ትእዛዝ ከምዝተመሓላለፈሎም ዝተሓበረ እንትኸውን÷ ኣብተን ደሴታት ቃፀሎ ባርዕ ሓዊ ስለዝለዓል ግሪኽ ካብ ሮድስ ተወሳኺ በረራታት ንምግባር ኣብ ምድላው ከምትርከብ እውን ተሓቢሩ።

ማዕበል ሙቐት ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታ እታ ሃገር ልዕሊ 44 ዲግሪ ሴሊሺየስ ክበፅሕ ከምዝኽእል እውን ተገሊፁ፡፡

ኣብ ጣሊያን ሲሲሊን ፑግሊያን ብዝተወለዐ ተመሳሳሊ ባርዕ ሓዊ እውን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ክስደዱ ተገይሩ።

ሰራሕተኛታት ምክልኻል ሓደጋ እቲ ባርዕ ሓዊ ንምቁፅፃር ኣብ ዝገብሩዎ ፃዕሪ÷ ልዑል ንፋስን ዝደረቑ እፅዋትን ፈተና ከምዝኾኑዎም ተገሊፁ፡፡

ክሳብ ሕዚ ዝለዓለ ቁፅሪ መወትቲ ኣብ ኣልጄሪያ ዝተመዝገበ እንትኸውን÷ ነበርቲ ካብ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ንምውፃእ ፃዕሪ እናገበሩ ዝነበሩ 10 ወታደራት ሓዊሱ 34 ሰባት ንሕልፈት ተቓሊዖም ተባሂሉ።

ተመራመርቲ ንብረት ኣየር ኣብዚ ወርሒ ኣብ ደቡብ ኣውሮፓ፣ ሰሜን ኣሜሪካን ቻይናን ዘሎ ልዑል ማዕበል ሙቐት ብምኽንያት ሰብ ስራሕ ክሌማዊ ለውጢ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment