ብምኽንያት ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝፍጠር ቀውሲ ንምግታእ ፍልፍል ሓይሊ ናብ ዝሕደስ ሓይሊ ምልዋጥ የድሊ – ዶ/ር ኢ/ር ስለሺ በቀለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብምኽንያት ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝፍጠር ዘሎ ቀውሲ ንምግታእ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ካብ ዝተፈለዩ ሓደ ዝኾነ ፍልፍል ሓይሊ ብቕልጡፍ ናብ ዝሕደስ ሓይሊ ምልዋጥ ከምዝኾነ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ፌዴሪኢ ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ኣፍሊጦም።

ኣብ ስግግር ኢነርጂ ኣድሂቡ ዝዝቲ ተኸታታሊ ዝኾነ ልዝብ በይነ መረብ ትማሊ ምስላጥ ጀሚሩ።

እቲ ዘተ በይነ መረብ፥ “ካብ ኣኼባ ምንቅስቓስ ለውጢ ኣየር ክሳብ ስግግር መሊስካ ምሕዋይ ሓምለዋይ ልምዓት ብኸመይ ሓይሊ ምርካብ ይከኣል” ብዝብል መሪሕ ቓል ክሳብ 7 መስከረም 2013 ዓ.ም ቀፂሉ ከምዝካየድ ካብ ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብቲ ዘተ ሚኒስተር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ሓዊሱ ምክትል ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ሚኒስትር ምትሕብባር ልምዓት ዴንማርክ ራስሙሰ ፕሪህን፣ ሚኒስትር ለውጢ ኣየር፣ ኢነርጂን ግልጋሎትን ዴንማርክ ዳን ጆርገንሰንን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ኣብቲ እዋን ዘተ መደረ ዘስምዑ ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለ፥ እቲ ዘተ ኣብ ከም ኢትጵያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሱዳን፣ ሶማሊያ፣ ኬንያን ዩጋንዳን ዝበላ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ብዘይተለመደ መልክዑ እናወቕዐ ብዝርከብ ሓያል ዝናብ ዝተፈጠሮ መዓነዊ ውሕጅ ምኽንያት ብዙሓት ሰባት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉሉ፣ መጠን ዋዒ ዓለም ወሰኽ እናርኣየ ኣብ ዝርከበሉ እዋንን ሃፍቲታት ተፈጥሮ ብዝለዓለ ቅልጣፈ እናተመናመኑ ኣብ ዝመፅኡሉ እዋንን ዝሳለጥ ዘሎ ዘተ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ስለዝኾነ ድማ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ልዕሊ መነባብሮ ደቂ ሰባትን ከባቢኦምን ዘብፅሖ ዘሎ ፅዕንቶ ብግልፂ እናተርኣየ ምዃኑ ገሊፆም።

ብምኽንያት ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝፍጠር ዘሎ ቀውሲ ንምዕጋት ድማ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ካብ ዝተፈለዩ ዘፈራት ፍልፍል ሓይሊ ብቕልጡፍ ናብ ዝሕደስ ሓይሊ ምልዋጥ ሓደ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቦም።

ብመንፅር እዚ ኢትጵያን ዴንማርክን ተሓባቢረን ብዘሐሸ ኩነታት ስግግር ሓይሊ እናሳለጣ ይርከባ ኢሎም።

ትማሊ ዝተጀመረ ዘተ በይነ መረብ፥ ብዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣቢሉ ዝተሳለጠን ኣብ ለውጢ ከባቢ ኣየርን ክውሰዱ ብዛዕባ ዝግበኦም ስጉምቲታት ኣድሂቡ ካብ ዘካየዶ ኣኼባ ንደሓር ኣብ ዘሎ ሓደ ዓመት ስግግር ኢነርጊ ብዝምልከት ዝተርኣዩ ለውጢታትን ፅቡቓት ተሞክሮታትን ዘጋጠሙ ማሕለኻታትን ዝግምግሙሉ፣ ተሞክሮ ዝዋወጡሉን ንቕድሚት ክግበሩ ዝግበኦም ኣንፈታትት ዘቕመጡሉን ምይይጥ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብፍላይ ድማ ካብ ጉድኣት ኮቪድ-19 እግሪ ምትካልን ስግግር ኢነርጂ ምርግጋፅን ዝከኣለሎም መገዲታት ዝሕንፀፁሉ መድረኽ ክኀውን ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment